ቨርነር ሙንዚንገር፡ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ዝገደፈ ገድለኛ

ሃይማኖቱ ካቶሊክ’ኳ እንተዀነ ምስቶም ወንጌል ክምህሩ ዝመጹ ሽወደናውያን ብምትሕብባር ኣአንገዶም፣ መንገዲ ሓበሮም፣ ምስቶም ደቀባት መራሕቲ ማሕበረኮማት እናፋለጠ ድማ መንገዲ ጸሪጉ ኣዋፊሩዎም’ዩ ይብል ጉስታቭ ኣረን፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሚስዮን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰነደ ተመራማሪ ታሪኽ።

“ቨርነር ሙንዚንገር (1832-1875) ወግዒ ምብራቓውያን (ብዛዕባ ኤትኖግራፊያ፡ ስነ-ጥበብ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ ...ወዘተ.) ዘጽንዐ ስዊዘርላንዳዊ ተመራማሪ (orientalist) ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ - ብፍላይ ኣብ ኤርትራ - ምስ ባዕዳውያን መንግስታት ብምትእስሳር ከም ወኪሎም ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ’ዩ ነይሩ” ይብል ዳን ኮነል፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዘበርከተ ተመራማሪ ታሪኽ።

ሙንዚንገር ብ1853’ዩ ንኤርትራ ንፈለማ ግዜ ዝመጸ። ሽዑ ብሓደ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ትካል ግብጺ ተቘጺሩ’ዩ መጺኡ። ኣብ ዓመቱ ኸኣ ንከረን ወረደ፤ ኣብኡ ሓንቲ ካብ ብሄረ ቢለን ጓል ተመርዕዩ ክሳብ 1861 ይነብር ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ሙንዚንገር በቲ ኣብ ባህልን ልምድን ኤርትራ ዝነበሮ ተመስጦን ተገድሶን ተመሪሑ ኣብ ተመኵሮኡ ዝኸሰቦ ፍልጠት ኣኪቡን ጠርኒፉን ኣብ ‘ምርምር ምብራቓዊ ኣፍሪቃ’ (Ostafrikanische Studien) ዘርእስቱ መጽሓፍ ብ1864 ኣሕተሞ። በቲ ዘቕረቦ ምርምር መሰረት ከኣ ተመኵሮኣዊ-ፍልጠት ከም ዘለዎ ተፈላጥነት ረኺቡ ብፈረንሳ (1865-1871)፡ ብእንግሊዝ (1867-1869) ከምኡ’ውን ብግብጺ (1871-1875) ተቘጺሩ ዘገልገለ ክኢላ ምንባሩ ዳን ኮነል ይገልጾ።

ሙንዚንገር መን እዩ?

ብ1854 ሙንዚንገር ኣብ ከረን ብምጕዓዝ ኣብ ምድረ-ቦጎስ (ቢለን) ከም ነጋዳይ ሓዳር መስረተ። ኣብኡ ንወለተማርያም ነፋዕ ዝተባህለት ሰብኣያ ብሞት ዝተፈልያ ጓለ’ባት ተመርዓዋ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ብ1854 ሙንዚንገር ኣብ ከረን ብምጕዓዝ ኣብ ምድረ-ቦጎስ (ቢለን) ከም ነጋዳይ ሓዳር መስረተ። ኣብኡ ንወለተማርያም ነፋዕ ዝተባህለት ሰብኣያ ብሞት ዝተፈልያ ጓለ’ባት ተመርዓዋ

ምልስ ኢልና ዛንታ ሙንዚንገር ምስ እንፍትሽ ካብ ርኹባት ስድራ-ቤት ከም ዝተወልደ፡ ኣቦኡ ኣብ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሚኒስተር ፋይናንስ ከም ዝነበረ ሰነዳት ይሕብሩ።

ሙንዚንገር ካብ ንእሽቶኡ ጀሚሩ ብቋንቋታት ኣህዛብ፡ ብዛዕባ ታሪኾም፡ መነባብሮኦም፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኦምን ይግደስ ስለ ዝነበረ ኣብ በርን ዩኒቨርሲቲ (ስዊዘርላንድ) በቲ ዓውዲ’ቲ ትምህርቱ ፈጺሙ።

ቀጺሉ ኣብ ምዩኒክን ፓሪስን (ጀርመንን ፈረንሳን) ዝርከቡ ኣብያተ ዩኒቨርሲቲ ብምብራቓዊ (ኦርየንታል) ቋንቋታት ፍሉይ ጥበብ ብምክትታል ተወሳኺ ፍልጠት ደለበ።

ሙንዚንገር ትምህርቱ ምስ ወድአ ምስ ሓንቲ ትካል ንግዲ ተጸጊዑ ንኽሰርሕ ንግብጺ ተጓዕዘ፣ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ብነሓሰ 1853 ንባጽዕ ወረደ። ኣብኡ ኰይኑ ድማ ከም ነጋዳይ እናሰርሐን (ካብ ኣለክሳንድርያ - ግብጺ ኣቝሑ እናጠለበ) ከምኡ’ውን ከም ምሁር መጠን ኣብ መነባብሮ ባጽዕን ህይወት ደቂ ባጽዕን ብምትኳር ስርሐይ ኢሉ ነቲ ከባቢ ንሓደ ዓመት ኣጽንዐ፤ ገለ-ገለ ጽሑፋት ምርምር እናቕረበ ኸኣ ጽቡቕ ስም ከጥሪ ክኣለ።

ብ1854 ሙንዚንገር ኣብ ከረን ብምጕዓዝ ኣብ ምድረ-ቦጎስ (ቢለን) ከም ነጋዳይ ሓዳር መስረተ። ኣብኡ ንወለተማርያም ነፋዕ ዝተባህለት ሰብኣያ ብሞት ዝተፈልያ ጓለ’ባት ተመርዓዋ፣ ንሳ ክፍለማርያን (ክፍሉ) ዝስሙ ቈልዓ (ካብ ቀዳማይ ሰብኣያ ዝወለደቶ) ነበራ። ‘ሙንዚንገር ንክፍሉ ከም ወዱ የዕብዮ ነበረ’ ይብል ዎልበርት ስሚት - ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ኣብ ዘስፈሮ ሓተታ።

ብ1859 ሙንዚንገር ብዛዕባ ከባቢኡ የጽንዕ ከም ዝነበረ ሰነዳት ይጠቕስዎ፣ ብባህልን-ልምድን ቦጎስ፡ ከምኡ’ውን ሕጊታት ናይቲ ዞባ ኣጽኒዑ ብጽሑፍ መልክዕ ኣስፈሮ። ከምኡ’ውን ካርታ ‘ሰሜናዊ ዶባት ምድረ-ሓበሻ’ - ወሓይዝ ከይተረፉ - ብስእሊ ኣቕረበ። ብሓጺሩ ሙንዚንገር ኣብ ሓደ ቦታ ከይተሓጽረ ነቲ ዞባ ብምልኡ - ክሳብ ምድሪ ኩናማ / ናራ እናተጓዕዘ ሓበሬታ ይእክብ ነበረ።

ብ1863፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዓሰርተ-ሓደ ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ሙንዚንገር ንዓዱ ተመልሰ። ኣብኡ ንፕረዚደንት ስዊዘርላንድ - ኮንስታንት ፎርነሮድ - ብወግዒ ረኸቦ። ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየዶም ጕዕዞታትን ውጽኢታቶምን ከኣ ምሉእ ሓበሬታ ኣቕረበሉ ይበሃል።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኣከቦ 'ዳታ' - ቋንቋኣውን ጂኦግራፍያውን ኤትኖግራፊያውን፡ ባህላውን - ኣጽፊፉ እሩም ሕታም ከቕርብ ከኣለ። እቲ 1864 ዘሕተሞ መጽናዕቲ ኸኣ ናብ ቋንቋ ጣልያን ኣተርጒሙ ከቕርቦ ከኣለ።

ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ሙንዚንገር ኣብ ስዊዘርላንድ ኣይጸንሐን፤ ንኽተርፍ ዝተገብረሉ ዕድመ ነጺጉ ንኤርትራ ናብ ሰበይቱን ወዱን ተመልሰ።

ሙንዚንገር ኣብ ኤርትራ ኣብ ናብራ ቀደሙ ተመሊሱ መጽናዕቱ ቀጸለ። ቋንቋ ትግረ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ቋንቋታት፡ ዝያዳ ብምጽናዕ ብቝዓት ምርምራት ኣካየደ - ክሳብ ሕጂ ጥቕሞም ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ምርምራት ኣካይዱ’ዩ። ሙንዚንገር ዓረብኛ፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ ብግቡእ ዘጽንዐ ክኢላ ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክርሉ’ዮም።

ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ ብድሕሪ 1864 ሙንዚንገር ብዕሊ ተሓባባሪ ቆንስል እንግሊዝ ኰይኑ ተመዘዘ፤ ብተወሳኺ ኸኣ ተሓባባሪ ቆንስል ፈረንሳ።

ብተወሳኺ፡ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብግደኡ ከም ዝብሎ፡ ብ1868 ሙንዚንገር ንናይ እንግሊዝ ወተሃደራዊ ወፍሪ - ወፍሪ ናፕየር - ዘድሊ ዳህሳስን ስለያን ብምክያድ ሓጊዙ’ዩ ኢሉ የዘንቱ።

ቀጺሉ እንግሊዝ ዙላን ሰንዓፈን ከም መደበራቱ ተጠቒሙ ንንጉስ ዮሃንስ ራብዓይ ንሰሜን ኢትዮጵያ ንክቈጻጸሮ ሓጊዙ’ዩ ይብል።

 

ሙንዚንገር፡ በቲ ዝነበሮ ዓቕምን ክእለትን - ቋንቋታት ኤርትራ ብምምላኹ፡ ብዛዕባ እቲ ዞባን ደቂ ዓድን መራሕቱን ዝነበሮ ኣፍልጦ፡ ብቤተሰቡ ኣቢሉ ብዛዕባ ቢለንን መንሳዕን ዘጥረዮ ርክባት፡ ንዓማዉሉ (ባዕዳውያን ገዛእቲ እንግሊዝ፡ ጣልያን፡ ግብጺ) ዘድልዮም ሓበሬታ ብምቕባል፡ መገዲ ብምምራሕ፡ ምስ ጭቃታት ዓዲ ርክባት ብምፍጣር፡ ዓቢ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዝነበረ፣ ብሓጺሩ ኸኣ ከም ወኪሎም ኰይኑ ብዕቱብ ዘገልገለ ሰብ ነበረ ምባል ምግናን ኣይኰነን።

ብመስከረም 1869፡ ዎልበርት ስሚት ከም ዘዘንተዎ፡ ሙንዚንገር ካብ ከረን ንባጽዕ እናተጓዕዘ ብፈተነ-ቅትለት ህይወቱ ኣሰር ሓሊፋ ከም ዝነበረት ይዝንቶ’ዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጕጅለ ሹመኛታት ጽልዋ ወጻእተኛታት ንኽንኪ ኢሎም፡ ሙንዚንገር ከኣ ቀንዲ ተሓባባሪ ናይቶም ወጻእተኛታት ስለ ዝነበረ፡ ሰለስተ ጠያይት ተኲሶም ሰሓትዎ።

እቶም ቀንዲ ኣብቲ ፈተነ-ቅትለት ኢድ ዝነበሮም ኣባ እምነቱ ዝበሃሉ (ምሉእ ስሞም ኣባ እምነተማርያም ገብረቱ) ምስ በዓል ኣገው ንጉሰ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ዘኣመሰሉ ገዛእቲ ትግራይ ጽኑዕ ርክባት ዝነበሮም ቀሺ ነበሩ ይበሃል። ሓደ ዮሃንስ ተኽለሃንስ ዝተባህለ ሰዓቢ ኣባ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ሙንዚንገር ፈተነ ቅትለትነ ከም ዝፈነወ ግናኸ ከም ዘይተማልኣሉ ይዝንቶ።

ኣባ እምነቱ ብድሕሪ’ቲ ፈተነ-ቅትለት ንሶም ከም ዝነበሩ ምስ ተፈልጠ ተኣስሩ። ከምኡ’ውን ዮሃንስ ተኽለሃንስ ምስኦም ተኣስረ። ብርክት ዝበሉ መቕርቦም ንካሳ መርጫ (ጸኒሑ ዮሃንስ 4ይ ዝዀነ) ኣባ እምነቱን ብጻዮምን ዝወሰድዎ ስጕምቲ ገበን ኣይኰነን ኢሉ ብምክታዕ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ኣውጾም። ሙንዚንገር ግን ዓገብ ብምባል መሊሱ ኣእሰሮም፤ እቶም እሱራት ንባጽዕ ከም ዝሰግሩ ኸኣ ገበረ። ኣብ ባጽዕ ከኣ ብዘይተፈልጠ ሰብ ተቐትሉ ይብል ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ።

ብ1871 ሙንዚንገር ኣመሓዳሪ ባጽዕ ንክኸውን ተመዘዘ። ምኽንያቱ ግብጻውያን ባጽዕ መበገሲ ወራር መላእ ኤርትራ ንኽትከውን ስለ ዝወጠኑ። ኰይኑ ድማ ሙንዚንገር ንወደብ ባጽዕ ክትምዕብል ጽዑቕን ስሉጥን ስርሓት ኣካየደ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ከረን። ብጕዳይ ኣባ እምነቱ ግን ሙንዚንገር ኣንጻር ካሳ መርጫ መርገጺ ወሰደ ይበሃል።

ሙንዚንገር፡ ከም ኣመሓዳሪ ባጽዕ ብዙሕ ስርሓት ሰርሐ - ናይ ተለግራፍ መራኸቢታት፡ ሓጽቢታት፡ መገዲ ባቡር፡ ህንጻታት ቤተ-መንግስቲ ይዅኑ ካልኦት ፕሮጀክትታት ኣተኣታተወ። ምስኡ ኸኣ ዓቢ ፕሮጀክት ምፍራይ ጡጥ ኣማዕበለ። ከኒሻ ሚስዮናውያን ናታቶም ፕሮጀክትታት ከተኣታትዉ ፍቓድ ሃቦም። ንላዛሪስትስ (ካቶሊካውያን) ኣብ ከረን መደበር ክተኽሉ’ውን ኣፍቀደ። ብተወሳኺ ኣንጻር ባርነት ከኣ ጽኑዕ መርገጺ ወሰደ።

ሙንዚንገር ኵሉ ድልየቱ ከይተማልኣሉ፡ ኣብ 43 ዕድመኡ፡ ንጭፍራ ግብጺ እናመርሐ ንመሬት ደንከል ሰንጢቑ እንክሓልፍ ብሃንደበት ብደበይቲ ደቂ ዓፈር ተጠቒዑ ንሱን ሰበይቱን ተቐትሉ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ቨርነር ሙንዚንገ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቶም ኣብ መግዛእቲ ኤርትራ ኢድ ዝነበሮምን ብዝያዳ ዝዝከሩን ኣብ መጻሕፍቲ ዝጥቀሱን፡ ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ምርምር ዘካየዱ ሰባት፤ 1) ፈርዲናንዶ ማርቲኒ - ውጥን ዘመናዊት ኤርትራ ዘውጽአ ኢጣልያዊ 2) ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ - ቅድሚ ዅሉ ዝስራዕ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ታሪኽ 3) ስቲቨን ሎንግሪግ - እንግሊዛዊ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ 4) ዲፕሎማት ጀራልድ-ከነዲ-ኒኮላስ ትረቫስኪስ፡ ከምኡ’ውን 5) ገዛኢ-ነበር፡ ስዊዘርላንድ ዝመበቈሉ ቨርነር ሙንዚንገር እዮም።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ (1841-1928) ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ውግእ ዓድዋ፡ እቲ ፈላማይ በርጌስ [ሲቪል] ንኤርትራ ከመሓድር ብ30 ሕዳር 1897 ዝተመዘዘ ኢጣልያዊ ነበረ። ካብ ኵላቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእቲ ኢጣልያ ድማ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዘሕደረ ከም ዝነበረ’ዩ ዝዝንተወሉ። ምኽንያቱ፡ ቅርጽን መልክዕን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመት ክልውጣ ስለ ዝኸኣለ።

ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ (1872-1948) ‘ሕጊ እንዳ’ባ’ ዝተርጐመ፡ ከምኡ’ውን ታሪኽ ኢትዮጵያ (Storia d’Etiopia) ዝጸሓፈ ቅድሚ-ዅሉ ዝስራዕ ኣዝዩ ፍሉጥ ተመራማሪ ታሪኽ ነበረ።

ስቲቭን ሎንግሪግ (1893–1979) እቲ ‘ሓጺር ታሪኽ ኤርትራ’ (A Short History of Eritrea) ዝጸሓፈ እንግሊዛዊ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ፡ ንኤርትራ ብምስጢር ኣብ ክልተ ንምግማዕ መደብ ዝነበሮ ኣመሓዳሪ’ዩ ነይሩ - ምድረ-መታሕት ንሱዳን፡ ምድረ ከበሳ ኸኣ ንኢትዮጵያ ከባጽሕ።

ጀራልድ-ከነዲ-ኒኮላስ ትረቫስኪስ (1915–1990) መበቈሉ ጣልያን ኰይኑ ከም እንግሊዛዊ መኰነን ኣብ ሮደዝያን (ናይ ሕጂ ዚምባብወ) የመንን ዘገልገለ፡ ብ1941 ከኣ ኣብ ኤርትራ ከም ቀንዲ ተጸዋዒ-ፖለቲካ ኰይኑ ዓቢ ተራ ዝነበሮ መኰነን’ዩ ነይሩ፤ ብተወሳኺ ሓንቲ ውርይቲ መጽሓፍ ‘A Colony in Transition, 1941–52’ ዘርእስታ ዝጸሓፈ ሰብ ነበረ።

ቨርነር ሙንዚንገር፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፈ፡ ምስ ቢለን ዝተዋሰበ ገድለኛ ዝነበረ እዩ።