ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት...
Latest releases
ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኤርትራውያን ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ከቑሙ ጀመሩ።
ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም። እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም። እንተኾነ...
ኢትዮጵያ፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘጽንሓቶም ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2025 ብኽልል ዓፋር ኣቢላ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከም ዘባረረቶም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኣስሩ ካልኦት ኤርትራውያን'ውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝተገብረ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቀረባ ቤተሰብ ናይ ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ግጭት ሱዳን ሃዲሞም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ኢትዮጵያ...
ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡ ኣብ ከም ኲናት ትግራይ፡ ቓዛ፡ ዩክረይንን ካልእ ቦታታትን ሰፊሕ ሞት፡ ምፍንቓልን ዝተፈላለየ...