Three decades, one leader - how Eritreans had their hopes dashed
Once hailed as part of a new generation of reformist African leaders, Eritrea's president, who recently marked 32 years in power, has long defied expectations. Isaias Afwerki now spends much of his...
Latest releases
ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ
ኣሌክ ዮሴፍ ብርሃነ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ቤተሰብ ንቢቢሲ ገሊጾም። ብረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9 ከም ዝተቐትለ ዝተነግረ መንእሰይ፡ ኣብ ገዛኡ ደቂሱ እንከሎ ጐረቤቱ ሰረቕቲ ኣትዮምም ናይ ርዱኡና ኣውያት ድሕሪ...
ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ጕዕዞ ስደት ዝገጥመን ጥዕናዊን ስነኣእምሮኣዊን ብድሆታት
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክስደዱ ይረአዩ እዮም። ኣብዚ ጕዕዞ'ዚ ገለ ትሕቲ ዕድመ፡ ገለ'ውን ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ብቝጽሪ ውሑዳት ዘይኰና ደቀንስትዮ ይርከባኦም።ገለ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ መጻምደን ክጠራነፋ ዝሃቀና ሰብ ሓዳር'ውን ሕጋዊ መስርሕ ፓስፖርትን ቪዛን ብምሕታት ብውሑስ ኣገባብ ካብታ ሃገር ንከይወጻ ስለዝኽልከላ፡ እንተስ ንውልቀን እንተስ ቈልዑ ሒዘን ድማ ነቲ ብመንገዲ ሰምሰርቲ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ይጽንበራኦ።
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ኣውፈርትን ሞያውያንን ስለምንታይ ንርዋንዳ ይመርጹ'ለዉ?
ኣብ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ክውላዕ እንከሎ፡ ሳራ ይስሓቕ ኣብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ ከተማ ሃዋሳ'ያ ትነብር ነይራ። ወለዳ ተጋሩ ከምዝዀኑ ትገልጽ ሳራ፡ ኩባንያ ህንጸት እትውንን ነዳፊት ህንጻ ወይ ኣርክቴክት ከምኡ'ውን ኮምፒዩተር ኢንጂነርን እያ። እቲ ደማዊ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ "ደቀይ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከዕብዮም ስለዝደሊ ክግዕዝ ወሲነ" ክትብል ተመኵሮኣ ንቢቢሲ ኣካፊላ። ፈለማ ናብ ኤውሮጳ ክትግዕዝ'ኳ ሓሲባ እንተነበረት፡ ኣብ ስደት እውን ብሞያኣ ክትነጥፍ ድሌት...
ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣቃሊሑ። ኣቦኦም ገለ ኣዋርሕ ቅድሚ ልደቶም ምስ ዓረፉ...