ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ዕድመ ናይ ዝበዝሑ እቶም ኣብ...
Latest releases
ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?
ገለ ሰባት ድራር ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ኢልካ ክግለጽ ክሳዕ ዝከኣል በሊዖም ክንሶም ንገሆ ብብርቱዕ ጥሜት ከምዝበራበሩ ይዛረቡ።
ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ
ኣብ ጋና ኣብ ዝካያድ ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስፖርት ዝወዳደሩ 35 ኣትሌታት ልኢኻ ዘላ ኤርትራ፣ ብ12 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም። ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ...
ኤምባሲ ኤርትራ – ሪያድ፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ኤርትራውታን ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ኣብ ሪያድ ዝመንበሩ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ መንበሪ ፍቓድ ከሕድሱ ንዘይክእሉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ኤምባሲ፣ ካብ 05 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ደልዮም ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይክኣሉ፣ ብዝሖም ክንደይ ምዃኖም ንምፍላጥ ኣቐዲሞም ክምዝገቡ‘ዩ ሓቲቱ። መንበሪ ወረቐቶም ዝወደቐ ወይ ዝተበላሸወ ይኹኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን፣ ቅዳሕ ይኹን ኦርጂናል ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ወይ መንነት ወረቐት ሒዞም ናብቲ ኤምባሲ ክመጽኡ ይንገሮም...