ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት...
Latest releases
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።