ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ...
Latest releases
ስለምንታይ መራኽብ ውግእ ሩስያ ናብ ኤርትራ ኣትየን?
ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከምዝኣተወት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።
ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ጸኒሑ
ብ ሰሜን ካሮላይና ድሕሪ ዘጋጠመ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሓደ ክሱስ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ሓቢሩ።
ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)
ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።
ኤርትራ፣ ኣብ African All Games ብ15 ሜዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ
ካብ 4 ክሳብ 23 መጋቢት፣ ኣብ ጋና ክካየድ ኣብ ዝቐነየ፡ መበል 13 ውድድራት ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ወይ ድማ African All Games፡ ኤርትራ ብ15 ሜዳዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ።