ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም። እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ...
Latest releases
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ። ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ...
ኤርትራ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቻምፒዮን ኤርትራ 2024 ኰይኑ
ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መበል 14 ቻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድለ ትሬክ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቀዳማይ ብምውጻእ ቻምፒዮን እዚ ዓመት ኰይኑ።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንፍትሒ ብሓባር ደው ዝበሉሉ ዘሕዝን ፍጻመ ህንጻ ግረንፈል
ቅድሚ 7 ዓመት 72 ህይወት ኣብ ዝቐዘፈ ባርዕ ግረንፈል ታወር ለንደን እቶም ዝያዳ ዝተጐድኡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እዮም።
ኤርትራ፡ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር ኢጎር ገሊጹ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ጽልዋታት፣ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኤርትራ፤ ኢጎር ሞዝጎ ገሊጹ።