ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ

እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ተበግሶ'ውን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 8 ሰነ 2017 (15 ሰነ 2025) ብወገን ደቡብ ኤርትራን ዞባ ማእከል ትግራይን ቀንዲ መሳገሪ ኣብ ዝዀነ ሩባ መረብ፡ ካብ ኤርትራን ትግራይን ዝመጽኡ ህዝቢ ከም ዝተራኸቡን እቲ ዶብ ከም ዝተኸፍተን ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ህዝቢ ዛላምበሳ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፋሕፋሕ ኢሉ ክነብር ጸኒሑ። ኣብ ዶብ ምህላዉ ዝያዳ ተረባሒ ክኸውን ዝግብኦ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ማሕበራውን ቍጠባውያን ሃስያ ወሪዱዎ እዩ።

ኣብ ዓዲግራት ጥራሕ ልዕሊ 55,000 ህዝቢ ኣብ ቴንዳ ዳስን ኣብ ኣዝማዱን ተጸጊዑ ይነብር ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ኤርትራ ኣምበሰተገለባ፡ መስሓል ወደከለ፡ እንዳ ዳሽምን ካልኦት ከባቢታትን ዝመጽአ ህዝቢ ኣብቲ ጽምብል ብምርኻብ ንኣጋይሽ ምሳሕ ኣአንጊዱ።

ህዝቢ፡ "ዝሓለፈ ይኣኽለና ደጊም ኣብ መኣዲ ሰላም ተሰሪዕና መጻኢና ነጸብቕ፡" ዝብል ሓሳብ ከቃልሕ ውዒሉ።

ናብቲ ጽምብል ካብ ሰንዓፈ ዝመጽአት ነብያት ወልደገርግስ፡ "እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ሰላምን ዕርቅን ጐልቢቱ ከም ዝቕጽል ምሉእ ተስፋ ኣለኒ፡" ትብል።

ኣምለሰት ካብ መረበት ዓዳ ዘላምበሳ ተፈናቒላ ኣብ ዓዲ ግራት ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ምስ ምሉእ ስድራኣ ተሳቕያ ተሕልፎ ዘላ መከራ ትዝክር።

"ሎሚ ዕጽው ገዛይ ክርእዮ መጺአ ኣለኹ፡ ካብ ደጊም ደቀይ ሒዘ ናብ መሬተይ ተመሊሰ ብምምጻእ ምንባር ክቕጽል እየ፡" ኢላ።

ተዋሲቡ ከም ሓደ ስድራ ይነብር ከም ዝነበረን ደሓር ግን ተፈላልዩ ከም ዝጸንሐን ዝገልጽ ህዝቢ እቲ ከባቢ፡ ተሓቛቝፉ ብምሒር ተሓጓስ ክነብዕ ውዒሉ።

ተወከልቲ ክልቲኡ ህዝቢ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ "ሰላምን ዕርቅን ከም ዝወረደ" ብምግላጽ ህዝቢ ዛላምበሳን ጉለመኻዳን ኣብ መረበቱ ተመሊሱ ብሰላም ክነብር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብወግዒ ምርኻቦም ኣበሲሮም።

ይዅን እምበር፡ ተፈናቒሉ ዝነበረ ህዝቢ ዛላምበሳ ናብ መረበቱ ክምለስ እንከሎ ብዙሓት ብደሆታት ከም ዘጓንፍዎ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ኣብታ ከተማ ዝነበሩ መሰረታት ልምዓት ዓንዮም እዮም። ብፍላይ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ስልክን ባንክን ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ እዩ።

እዞም መሰረታት ልምዓት ብመንግስቲ ፈደራል ዝውነኑ ብምዃኖም ተጸጊኖም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከቢድ ስራሕ ከም ዝሓትት ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ዓንዮም ዝነበረሩ ትካላት ማይ፡ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ብገበርቲ ሰናይ ጽገና ተገይሩሎምን ይግበረሎም ከም ዘሎን ነበርቲ እታ ከተማ ይገልጹ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ሕሱም ዝተሳቐየ ህዝቢ ዛላምበሳ ጥሪቱን ንብረቱን ተዘሚቱ፡ ገዛውቱ ተዓጽዩን ዓንዩን ስለ ዝዀነ፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ንቡር ናብራኡ ከካይድ ኣመና ከቢድ ምዃኑ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ። በዚ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ዝዕመም ዕዮ ገዛ ከም ዘለዎም የዘኻኽሩ።

ጽርግያ ዓዲግራት ዛላምበሳ ስለ ዝተኸፈተ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እውን ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ መምህር እያሱ ምስግና፡ "ኣብ ገለ ከባብታት፡ ብሰራዊት ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸነሐ ኬላ ስለ ዝተላዕለ፡ መጓዓዝያ ህዝብን መካይን ገበርቲ ሰናይን ናብቲ ወረዳ ብወግዒ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብ2018 ዓ.ም ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ተኸፊቱ ምንባሩ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ዝምድናታት ክልአተን ሃገራት ምምሕያሕ ከርኢ ጀሚሩ ነይሩ።

እዚ፡ ነዊሕ እንከይጸንሐ ዝተዓጽወ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት ክራኸቡ ከም ዝጀመሩ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዛላምበሳ ዝተረኽበ መዳውብቲ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን
መግለጺ ስእሊ,ኣብ ቀረባ፡ ገለ ጸለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ህዝቢ ዛላምበሳ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፋሕፋሕ ኢሉ ኢሉ ክነብር ፀኒሑ።
መግለጺ ስእሊ,ህዝቢ ዛላምበሳ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፋሕፋሕ ኢሉ ኢሉ ክነብር ጸኒሑ።
ኣብቲ ምርኻብ ህዝብታት መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ከም ዝተሳተፉሉ ተሓቢሩ
መግለጺ ስእሊ,ኣብቲ ምርኻብ ህዝብታት መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ
ኣብቲ ምርኻባት ሰባት ሓጐሶም ክገልጹ ይርኣዩ
ኣብቲ ምርኻባት ሰባት ሓጐሶም ክገልጹ ይርኣዩ
መግለጺ ስእሊ,ኣብቲ ምርኻባት ሰባት ሓጐሶም ክገልጹ ይርኣዩ
ህዝቢ፡ “ዝሓለፈ ይኣኽለና ደጊም ኣብ መኣዲ ሰላም ተሰሪዕና መፃኢና ነፀብቕ” ዝብል ሓሳብ ከቃልሕ ውዒሉ።
መግለጺ ስእሊ,ህዝቢ፡ "ዝሓለፈ ይኣኽለና ደጊም ኣብ መኣዲ ሰላም ተሰሪዕና መጻኢና ነጸብቕ" ዝብል ሓሳብ ከቃልሕ ውዒሉ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዘካየድኦ ዶባዊ ኲናት፡ 'ናይ መወዳእታን ቀያድን' ስምምዕ ኣልጀርስ ከም ዝኸተማ ይዝከር። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝተዋግኣለን ቦታታት ቀንዲ ዝነበረት ባድመ፡ ግዝኣት ኤርትራ ንክትከውን ተበይኑ።
መግለጺ ስእሊ,ናብቲ ጽምብል ካብ ሰንዓፈ ዝመጽአት ነብያት ወልደገርግስ "እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ሰላምን ዕርቅን ጐልቢቱ ከም ዝቕጽል ምሉእ ተስፋ ኣለኒ፡" ትብል።