ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...
Latest releases
ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር ህያብ" ክብሉ ንዝገለጽዎ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክዕቅብዎ...
ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተሓለቕቲ መሰላት፡...
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ። ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም። እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ ኣትያ፡። ኣብ ኵነተ-ኲናት ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2018...
ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኤርትራውያን ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ከቑሙ ጀመሩ።