ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም...
Latest releases
ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፣ ንሰሌዳ ኮኾብ ኣመዝገብቲ ጐል ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይመርሕ
ኣጥቃዓይ ኢትዮጵያዊት ክለብ ሃዋሳ ከነማ፡ ኤርትራዊ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብሸቶታቱ ይደምቕ።
ኤርትራ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣትዩ
ብምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝመራሕ ልኡኽ ሩስያ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ 2024 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ባጽዕ ከም ዝኣተወ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣተዋሉ ምኽንያት ኣካል ወፍሪ ነዊሕ ጉዕዛ ባሕሪ ምዃኑ ተገሊጹ
ብ‘ፓሲፊክ‘ ዝፍለጥ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዝምቢ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንዘመናዊት ኤርትራ ዝሃነጸ ኢጣልያዊ ጸሓፍን ፖለቲከኛን
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ (1841-1928) ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ብሚያዝያ 1891 - ዕድመኡ 50 ኣብ ዝመልኣሉ - እዩ በጺሑ። ንኤርትራ መኸዲኡ ምኽንያት ከኣ ሓደ ጕዳይ ንምምርማር ነበረ፣ ብዛዕባ ጽጋብ ዜጋታት ጣልያን ኣብ ኤርትራ
Load more...