ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሳ
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝፍጽሙ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልሳን ነቐፍቶም ንምዕባስ ከም ኣጽዋር መጥቃዕቲ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኬንያን ዝርከቡወን ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት...
Latest releases
ኤርትራ፡ ካብ ሃሳዪ ልምዲ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ናጽነተን ዝኣወጃ ከባቢታት
ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ሃሳዪ በደልን ምግሃስ መሰልን ብምዃኑ ብዓለም ደረጃ ዝተፈንፈነን ብሕጊ ዝተኣገደን'ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብዘሎ ድሑር እምነታትን ባህልታትን ክሽቦ ጓል-ኣንስተይቲ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ። ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረድኦ፡ 83 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 19 ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ በቲ ኣሰቃቒ ልምዲ ክሽቦ ሓሊፈን። ...
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ዘይምኽንያታዊ ግፋን ማእሰርትን መሪርና'
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኰነ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብምዃኑ ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘእተዎም ነበርቲ ይገልጹ። እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት ንህይወቶም ዝፍትን ወጽዓ የሕልፉ ከምዘለውን ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ዩኤንኤችሲኣር' ንጉዳዮም ኣቓልቦ ክህቦን ጸዊዖም ኣለው።
'ኤርትራ ዘለዉ ዘኽታማትን ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ቈልዑን' ዘተኰረት ተወዳዳሪት ሚስ ፕላነት
ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝጀመረ ውድድር ቍንጅና ሚስ ፕላነት፡ ሓደ ካብቶም ዓቢ ተቐባልነትን ጽልዋን ረኺቦም ዘለዉ ዓለማዊ ውድድራት እዩ። ኣብ ሕበረተሰበን ጸለውትን ኣፍረይትን ዝዀና ወይዘራዝር ብምትብባዕ ድማ፡ ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ውሕስነት ዕቃበ ፕላነትን ህይወት ደቅሰብን ይጕስጕስ። ነዚ ተገንዚባ ድማ ዝበጽሖን ዘተግብሮን ራእይ ኣለኒ ብምባል ናብቲ ውድድር ዝኣተወት ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ኤልዳና ሴም እያ። ኣብዚ ሎም ዘበን ኣብ ካምቦድያ ዝተኻየደ ውድድር “ሚስ ፕላነት 2024” ድማ ንሃገራ ወኪላ ምስ...
ጸኒሑ ዝተኣለየ ኣዘራራቢ ቃለ መሕትት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን
ትማሊ ሰሉስ 26 ሕዳር 2024 ወኪል ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ምስ ኤምባሲ ሜድያ ዘካየዶ ዘይልሙድ ቃለ መሕትት ኣብ ዩቲዩብ ቻነል ተፈንዩ ነይሩ። ኣብቲ ምስ 'ኤርትራ ኤምባሲ ሚዲያ' (Eritrea EmbassyMedia) ዝተባህለ ኣካል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዝዀነ ቻነል ዩቱብ ዝተገብረ ቃለ...