ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሓደ እዋን ዝበጽሑ መራሕቲ ሱዳን
ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርካብ ተዘራሪቡ። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ። ኣንጻር እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ደማዊ ኲናት...
Latest releases
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተኣስሩ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከፊሉ
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቱን ብስም ምንቅስቓስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብተደጋጋሚ ዝተወልዐ ናዕቢን ጎነጽን ንዝተኣስሩ ሓያሎ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ፣ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ፣ ዋይ ኔት ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ መርበብ፣ ቅብሊት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኤምባሲኡ ንዋሕስ ዝኸፈሎ 84 ሽሕ ሽክል...
ኤርትራ ዘውዲ ወይዘሪት ዩኒቨርስ - 73 ንምድፋእ ብስኒት ትደምቕ
ኤርትራ ፡ ንፈለማ እዋን ዘውዲ “ሚስ ዩኒቨርስ ንኽትደፍእ ብመንገዲ ዕውቲ ወይዘሪት "ሚስ ዩኒቨርስ ኤርትራ" ስኒት ሃብተኣብ ትወዳደር ኣላ። ወይዘሪት ዩኒቨርስ ብ1952 ዝጀመረ ዝለዓለ መድረኽ ውድድር ቁንጅና ዓለም እዩ። ኣብዚ ልዑል ዝናን ክብርን ዘለዎ ውድድር፡ ዓመታዊ ብውሑዱ ልዕሊ 100 ነንሃገረን ዝውክላ ወይዘራዝር ናብዚ ጥርዚ መድረኽ ቍንጅና ዓለም ይውሕዛ። ኣብዚ ወርሕዚ ድማ መክሲኮ ነቲ ብቘናጁ ወይዘራዝሮም ዝተወከሉ ኣህዛብ፡ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ውድድር ተአንግድ...
ተሸላሚት 'ወይዘሪት ኣፍሪቃ ብሪጣንያ 2024' - ኤርትራዊት ዮርዳኖስ መንግስትኣብ
ኤርትራ ብወይዘራዝራ ኣቢላ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ቁንጅና ዓለምና ክትሳተፍን ዓወት ከተመዝግብን ጸኒሓ ኣላ። ኣብ ውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ 'Miss Africa Great Britain 2024' እውን ብመንገዲ ጓል 20 ዓመት ዮርዳኖስ መንግስታኣብ ኣቢላ 2ND RUNNER UP ሽልማት ረኺባ እያ። እዚ ውድድር ኣፍሪቃውያን ወይዘራዝር ሕልመን ዘግህዳሉ፣ ገዛእ ርእሰንን ሃገርንን ምስ ዓለም ዘላልያሉ መድረኽ እዩ። እታ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ዝተሰደደት፣ በዓልቲ ጽቡቕ ቍመና ምልምል ጐርዞ ዮርዳኖስ ከኣ፡ እዚ ዕድል ሕልማን ራኢኣን ከተግህደሉ እትኸእል መሰረት ምዃኑ እያ...
ኣዲስ ኣበባ፡ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ንካልኣይ ሰሙኑ ይቕጽል
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ግፋ ኤርትራውያን፡ ብጹዑቕ ይቕጽል ኣሎ።ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ግፋ፡ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርያ እዋኑ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም።ዕላማ እቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ሸርፊን ካልእን ንዝተዋፈሩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብስቕታ ክዕዘብዎም ከምዘይኮኑ ንባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ይካየድ ምስ ምህላዉ፡ እቲ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ምስኡ ዝተተሓሓዘ...