ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ...
Latest releases
ኤርትራ ዝሰወረቶም እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ጸዊዖም
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም። ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ...
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከም ዝወሰነት ጠቒሱ። "ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን...
ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ
ኣሌክ ዮሴፍ ብርሃነ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ቤተሰብ ንቢቢሲ ገሊጾም። ብረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9 ከም ዝተቐትለ ዝተነግረ መንእሰይ፡ ኣብ ገዛኡ ደቂሱ እንከሎ ጐረቤቱ ሰረቕቲ ኣትዮምም ናይ ርዱኡና ኣውያት ድሕሪ...
ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ጕዕዞ ስደት ዝገጥመን ጥዕናዊን ስነኣእምሮኣዊን ብድሆታት
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክስደዱ ይረአዩ እዮም። ኣብዚ ጕዕዞ'ዚ ገለ ትሕቲ ዕድመ፡ ገለ'ውን ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ብቝጽሪ ውሑዳት ዘይኰና ደቀንስትዮ ይርከባኦም።ገለ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ መጻምደን ክጠራነፋ ዝሃቀና ሰብ ሓዳር'ውን ሕጋዊ መስርሕ ፓስፖርትን ቪዛን ብምሕታት ብውሑስ ኣገባብ ካብታ ሃገር ንከይወጻ ስለዝኽልከላ፡ እንተስ ንውልቀን እንተስ ቈልዑ ሒዘን ድማ ነቲ ብመንገዲ ሰምሰርቲ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ይጽንበራኦ።