ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንትን ሓላፊት ድሕነት ኣውፈርትን እታ ሃገር ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተራኺቦም ተዘራሪቦም። 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት' ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኮሎኔል ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ዕድላት ወፍሪን እታ ሃገር ዘለዋ ድሉውነትን ብሰፊሕ ኣብሪሃትሎም። ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ...
Latest releases
ኣስመራ፡ ጸጥታዊ ልዝብ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን
መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቦም።
ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ
ፖሊስ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ሞት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓታቲ ዑቕባ ብዝተሓሓዝ ዝኸሶ ሰብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ። ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ፡ ኣብ 2021 ኣብቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ዝርከብ 'ካሉዶን ማእከል'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ዳዕሮ ዝተባህለ ንመንእሰያት ስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር ከምዝበሎ፡ ሞት ናይቲ መንእሰይ መርኣያ ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ...
ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሞይቶም
ቀዳም 16 መጋቢት ምሸት፡ ካብ ኬንያ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝወስድ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኤርትራውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ናኩሩ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?
ገለ ሰባት ድራር ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ኢልካ ክግለጽ ክሳዕ ዝከኣል በሊዖም ክንሶም ንገሆ ብብርቱዕ ጥሜት ከምዝበራበሩ ይዛረቡ።