Three decades, one leader - how Eritreans had their hopes dashed
Once hailed as part of a new generation of reformist African leaders, Eritrea's president, who recently marked 32 years in power, has long defied expectations. Isaias Afwerki now spends much of his...
Latest releases
'ሊብያ ምስ ኣተኻዮ መውጽኢ ስለ ዘይብሉ፡ ህይወት እናተሓተትና ኢና ንነብር ዘለና'
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናይ ርድኡና ኣውያት ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት ብፖሊስ ሊብያ ይግፈፉን ይግፉዑን ከም ዘለዉ፡ ኢሰብኣዊ ብዝዀነ ኣተሓሕዛ ተዳጊኖም፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይቕሰቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ሊብያ ጸለምቲ ስደተኛታት ክሰራጠዩ ሓድሽ እኳ እንተ ዘኰነ፡ እዚ ሕጂ ዝያዳ ስጋኣት ፈጢሩሎም ዘሎ ግን ዓበይቲ ሰበስልጣን ሊብያ ብኣልማማ ክገፉዎም፡ ንዝኣበዩ ድማ ብጠያይቲ ክሃድኑዎም ሓበሬታ ድሕሪ ምትሕልላፎም ዝተጐሃሃረ ምዃኑ እዮም...
ጀርመን፡ ሃድን ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ እንታይ የመልክት?
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት መንግስቲ ጀርመን፡ ነቶም ኣብ 2022-2023፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተወደቡ ዝንገረሎም ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝወደቡዎ ፌስቲቫላት ጐነጻዊ ተቓውሞ ኣካይዶም ንዝበሉዎም ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጡ መንእሰያት ብ "ውሽጣዊ ግብረ ሽበራ!" ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣዘራረቢ ጉዳይ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ጀርመን ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረ ሽበራዊ ውድብ ምዃኖም...
ሊብያ ንህዝባ ብ"ኣፍሪቃውያን" ክመልኡ ይጽዕሩ ኣለዉ ንዝበለቶም ትካላት ረድኤት ኣባሪራ
ሊብያ ንህዝባ ብ"ኣፍሪቃውያን" ክመልኡ ይጽዕሩ ኣለዉ ንዝበለቶም ትካላት ረድኤት ኣባሪራ። ሰበስልጣን እታ ሃገር፣ ኣብ ሊብያ ዝርከባ ትካላት ረድኤት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ብምትብባዕ ንቝጽሪን ማሕበረሰብን ንምቕያር ውዲት ከም ዝኣለማ ኸሲሶም። መንግስቲ ሊብያ ነተን ንቝጽሪ ህዝቢ እታ ሃገር ክቕይራ ውዲት ዝኣለማ ዝበለን፣ ማሕበር ዶባ ኣልቦ ሓካይም፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት (ዩ. ኤን. ኤች. ሲ. ኣር.) ከምኡ'ውን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ዝርከብኦም 10 ኣብያተ...
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሰልዓቶ ቀረጽ ጽልዋኡ ክሳብ ክንደይ እዩ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ንብረት ስፍሕ ዝበለ "ፈዳዪ" ዝተባህለሉ ቀረጽ ከም ዝሰልዐ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ ነቲ እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣቑሑ ኣመሪካ ዝገብርኦ "ንግዳዊ ዕንቅፋታት" ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኤርትራ ኣብቲ ኣዋጅ ብቐጥታ እኳ ኣይትጠቐስ እምበር፡ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ነቲ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ እትሰዶ ኣቑሑ ዝተሓተ ቀረጽ ክትከፍል ከም እትግደድ ይሕብር። ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ልውውጥ...