ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ምውንጃል መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሽ ጎንጺ ክመርሕ ይኽእል’ዶ?
ዋሽንግተን —ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ናይ እንግሊዘኛ መርበብ ሓበሬታ ኣልጃዚራ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ግጭት ምውጋድ፡ ውሳነ ዝውሰደሉ ግዜ’ዩ፡” ክብል ጽሒፉ። ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ፡ “ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ምስ ገለ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምልፋን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ክትከፍት ትቀራረብ ኣላ፡” ዝብል’ዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ወሲኹ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ዞባ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናት ብምንቛት ይሕመሶ ኣሎ፡” ኢሉ ነዊሕ...
ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።"እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብቐጥታ መልሲ ሂብሉ።
'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትወልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ከሲሱ። "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ብስሙ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ተእቱ ከምዘላ ገሊጹ። "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል ተሾመ ሙላቱ። ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ግጭት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢዱ...
ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ
ፓርላማ እስራኤል ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ኣበጊስዎ ዘሎ ሓሳብ ነቶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ ዪስራኤል ቤትኑ ዝኾነት ዩሊያ ማሊኖቭስክን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ዝቐረበ እማመ ሕጊ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። "ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል እቲ ባይቶ ኣብ ዘውጽኦ...