ኤርትራ ዘውዲ ወይዘሪት ዩኒቨርስ - 73 ንምድፋእ ብስኒት ትደምቕ
ኤርትራ ፡ ንፈለማ እዋን ዘውዲ “ሚስ ዩኒቨርስ ንኽትደፍእ ብመንገዲ ዕውቲ ወይዘሪት "ሚስ ዩኒቨርስ ኤርትራ" ስኒት ሃብተኣብ ትወዳደር ኣላ። ወይዘሪት ዩኒቨርስ ብ1952 ዝጀመረ ዝለዓለ መድረኽ ውድድር ቁንጅና ዓለም እዩ። ኣብዚ ልዑል ዝናን ክብርን ዘለዎ ውድድር፡ ዓመታዊ ብውሑዱ ልዕሊ 100 ነንሃገረን ዝውክላ ወይዘራዝር ናብዚ ጥርዚ መድረኽ ቍንጅና ዓለም ይውሕዛ። ኣብዚ ወርሕዚ ድማ መክሲኮ ነቲ ብቘናጁ ወይዘራዝሮም ዝተወከሉ ኣህዛብ፡...
Latest releases
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ
ዋሽንግተን —ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ።
03 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።
4 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክስለፉ’ዮም
ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደር‘ዮም።