ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት
ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንወኪል ስለያ እታ ሃገር ሞሳድ ሓደ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣይሁድ [ቤተ-እስራኤላውያን] ብሕቡእ ኣውጺእኻ ናብታ ሃገር ንምውሳድ ዝግበር ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ። በቲ ስርሒት ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ብድሕሪኡ ናብ እስራኤል ኣትዮም። እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝትግበር 40 ዓመት ኮይኑ...
Latest releases
ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ
ኣብ ጋና ኣብ ዝካያድ ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስፖርት ዝወዳደሩ 35 ኣትሌታት ልኢኻ ዘላ ኤርትራ፣ ብ12 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም። ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ...
ኤምባሲ ኤርትራ – ሪያድ፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ኤርትራውታን ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ኣብ ሪያድ ዝመንበሩ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ መንበሪ ፍቓድ ከሕድሱ ንዘይክእሉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ኤምባሲ፣ ካብ 05 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ደልዮም ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይክኣሉ፣ ብዝሖም ክንደይ ምዃኖም ንምፍላጥ ኣቐዲሞም ክምዝገቡ‘ዩ ሓቲቱ። መንበሪ ወረቐቶም ዝወደቐ ወይ ዝተበላሸወ ይኹኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን፣ ቅዳሕ ይኹን ኦርጂናል ናይ ኤርትራ ፖስፖርት ወይ መንነት ወረቐት ሒዞም ናብቲ ኤምባሲ ክመጽኡ ይንገሮም...
ሽወደን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ካብ ምምሕዳር ስቶኮልም ሓገዝ ከምዘይረክብ ተገሊጹ
ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንፌስቲቫል ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ክስሕቦ ምኳኑ ‘ዳገንስ ኒሄተር‘ ንዝተባህለት ጋዜጣ ብምጥቃስ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ ሓቢራ።