ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት...
Latest releases
መንግስቲ ፖላንድ: በይና ንዝሓረሰት ኤርትራዊት ስደተኛ 'ካብ ዶብ ኣይመለስክዋን' ኢሉ
ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ከምዝሓረሰት ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፖላንድ ነታ ስደተኛ ካብ ዶባ ከምዘይመለሰታ ገሊፁ።
‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም፣ ናዕቢ ብምልዕዓል ተወቒሱ።
ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ
ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤድሞንዶ ቺረሊ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስያ ኖቫ፡ ነቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዕዓል ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላዉ ኣንፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ላለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ...
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።