ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ...
ኣሌክሳንደር ደጊሙ ይደምቕ፡ ሊቨርፑልከ ዋንጫ ከም እትዓትር ኣፍሊጣ ድያ?
ትማሊ ሰንበት ኒውካስል ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት 4 ብ 3 ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣገዳስነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድማ ናብ ደረጃ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለምና ዘሕኵሮ ህሞት ነይሩ። ኣሌክሳንደር በተን ትማሊ ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዙ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት'ዚ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዘቝጸረን ሸቶታት 19 በጺሐን። ሰለስተ እንተ ወሲኹ ድማ ኣብታ ክለብ ዝዓበየ ወፍሪ ዝተኻየደሉ ተጻዋታይ ክኽውን እዩ።
ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ...
ዙር ርዋንዳ 2025፡ ታሪኹን ተዳልዩ ዘሎ ሽልማትን
ኣብቲ ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት ዝካየድ መበል 17 ዙር ርዋንዳ ትሽዓተ ኤርትራውያንን ሸሞንተ ኢትዮጵያውያንን ክተሳተፉ'ዮም። ብሓፈሻ ከኣ ኣብ 15 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 75 ተቐዳደምቲ ክወዳደሩ'ዮም። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ነቲ ንሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነን ኣብ 2023 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳን ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ መትከል እዮብ፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ናታን መድሃኔን ንመጀመርታ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ዝውክል ዘሎ ዓወት ክብሮምን ሒዛ ክትሳተፍ'ያ።