ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ጕዕዞ ስደት ዝገጥመን ጥዕናዊን ስነኣእምሮኣዊን ብድሆታት
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክስደዱ ይረአዩ እዮም። ኣብዚ ጕዕዞ'ዚ ገለ ትሕቲ ዕድመ፡ ገለ'ውን ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ብቝጽሪ ውሑዳት ዘይኰና ደቀንስትዮ ይርከባኦም።ገለ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ መጻምደን ክጠራነፋ ዝሃቀና ሰብ ሓዳር'ውን ሕጋዊ መስርሕ ፓስፖርትን ቪዛን ብምሕታት ብውሑስ ኣገባብ ካብታ ሃገር ንከይወጻ ስለዝኽልከላ፡ እንተስ ንውልቀን እንተስ ቈልዑ ሒዘን ድማ ነቲ ብመንገዲ...
Latest releases
03 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።
4 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክስለፉ’ዮም
ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደር‘ዮም።
ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝዓለመ ሓድሽ ውጥን እንታይ እዩ?
ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ብሳልሰይቲ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝዓለመ ውጥን ኣጽዲቑ።