ከረን፡ ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ዘኽተመ ውግእ ጥንቁልሓስ፡ ኣብ 84 ዓመቱ
ኣብዚ ቅንያት - ቅድሚ 84 - ኣብ ኤርትራ ሓደ ወሳኒ ውግእ ተኻዪዱ ነበረ፣ ካብ 3 ለካቲት ክሳዕ 27 መጋቢት 1941። እቲ ውግእ ኣካል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኰይኑ፡ ኣብታ ካብ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 91 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ብጎበታት ዝተኸበት ሒላብ-መሰል ቅርጺ ዘለዋ ከረን እዩ ተኻዪዱ። ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ድማ "ውግእ ከረን (The Battle of Keren)" ተባሂሉ ይፍለጥ። ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ብዕብየታ ካልአይቲ እያ።...
Latest releases
ኤርትራውያን ስደተኛታት ንውሳነ ባይቶ ኖርወይ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም
ኣብ ሃገሮም ሰልፊ ምግባር ይኹን ሕቶ ከቕርቡ መሰል ዘይብሎም ደገፍቲ ምልኪ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ውሳነ ባይቶ ሰልፊ ኣካይዶም::
መንግስቲ ፖላንድ: በይና ንዝሓረሰት ኤርትራዊት ስደተኛ 'ካብ ዶብ ኣይመለስክዋን' ኢሉ
ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ከምዝሓረሰት ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፖላንድ ነታ ስደተኛ ካብ ዶባ ከምዘይመለሰታ ገሊፁ።
‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም፣ ናዕቢ ብምልዕዓል ተወቒሱ።
ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ
ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤድሞንዶ ቺረሊ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስያ ኖቫ፡ ነቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዕዓል ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላዉ ኣንፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ላለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ...