Three decades, one leader - how Eritreans had their hopes dashed
Once hailed as part of a new generation of reformist African leaders, Eritrea's president, who recently marked 32 years in power, has long defied expectations. Isaias Afwerki now spends much of his...
Latest releases
ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሳስ ዑደት መራኽብ ከተካይድ’ያ
ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሃስ ዘኽእል ዑደት ጭፍራ መራኽብ ከተካይድ ምዃና ኣፍሊጣ። እተን ዳህሰስቲ ዕምቆት ባሕሪ፣ ክኢላታት ጥልቀትን ተመራመርቲን ዝሓቖፈ ጭፍራ መራክብ ሩስያ፣ ካብ ካሊኒንግራድ ኣብ ዝተበገሳሉ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዲሚትሪ ፓትሩሸቭን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ናይ መሰናይታ ስነ ስርዓት ጌረሙለን።
መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ናይ ኤርትራ በረራኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። እቲ ሰኑይ 2 መስከረም ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ
ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት እታ ሃገር ኣቃሊሓን። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሺ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ካብ ስትራተጂያዊ ዝምድና ናብ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎን፣ ከምኡ’ውን ናብ ግብራዊ ምትሕብባር ብምስግጋር ምስ ኤርትራ ሓባራዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።