ኤርትራውያን ስደተኛታት ንውሳነ ባይቶ ኖርወይ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም
ኣብ ሃገሮም ሰልፊ ምግባር ይኹን ሕቶ ከቕርቡ መሰል ዘይብሎም ደገፍቲ ምልኪ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ውሳነ ባይቶ ሰልፊ ኣካይዶም::
መንግስቲ ፖላንድ: በይና ንዝሓረሰት ኤርትራዊት ስደተኛ 'ካብ ዶብ ኣይመለስክዋን' ኢሉ
ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ከምዝሓረሰት ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፖላንድ ነታ ስደተኛ ካብ ዶባ ከምዘይመለሰታ ገሊፁ።
‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን...
ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ
ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ...
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ...
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ
ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ...
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ግህሰት መሰላትን ካልእን ዝጠንቁ ብብዝሒ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ጸኒሖም እዮም።
ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት
ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ መልክዑ ትቕጽሎ ከም ዘላ ናይ 2024 ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣስፊሩ።