ኤርትራ ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ንጸገም ኤለክትሪክ ይፈትሖዶ?
ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ንህንጸት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ተወሳኺ 20 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ከም ዝኸተማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።ነቲ ስምምዕ፡ ምኒስተር ፋይናንስን ቍጠባዊ ልምዓትን ኤርትራ ዶ/ር ጊዮርግስ ተኽለሚካኤልን ምክትል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሊያንድረ ባሶለን ኣብ ኣስመራ ክታሞም ከም ዘንበርሉ ተሓቢሩ። እዚ 20 ሚልዮን ዶላር፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንክ...
Latest releases
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንዘመናዊት ኤርትራ ዝሃነጸ ኢጣልያዊ ጸሓፍን ፖለቲከኛን
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ (1841-1928) ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ብሚያዝያ 1891 - ዕድመኡ 50 ኣብ ዝመልኣሉ - እዩ በጺሑ። ንኤርትራ መኸዲኡ ምኽንያት ከኣ ሓደ ጕዳይ ንምምርማር ነበረ፣ ብዛዕባ ጽጋብ ዜጋታት ጣልያን ኣብ ኤርትራ
ስለምንታይ መራኽብ ውግእ ሩስያ ናብ ኤርትራ ኣትየን?
ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከምዝኣተወት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።
ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ጸኒሑ
ብ ሰሜን ካሮላይና ድሕሪ ዘጋጠመ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሓደ ክሱስ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ሓቢሩ።
ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)
ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።