ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ ፐዘሽኪያን ገሊጹ።
ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን
ዋሽንግተን —ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።
ካልጋሪ፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተመስረተ ክሲ ተላዒሉ፣ ክሲ ኣባላት ብርጌድ ንሓምዱ ግና ይቕጽል
ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክሲ ተመስሪትሎም፣ ኣብ ምጽራይ’ዩ ጸኒሑ።
ኤርትራ፡ እገዳ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምምሕዳራዊ ዶ ፖለቲካዊ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ “ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋታት ትኬት፡ ምዕናውን ምጥፍፋእን ንብረት ገያሾ፡ ምድንጓይ በረራን ምክልባት ተጓዓዝትን፡” ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ንኸብል ወሲኑ።