ሊብያ፣ ተጨውዮም፣ ነፈሲ ወከፎም 10 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ክሕተቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓራ ወጺኦም

ሊብያ፣ ተጨውዮም፣ ነፈሲ ወከፎም 10 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ክሕተቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓራ ወጺኦም

ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ብደላሎን ኣሰጋገቲ ደቂሰብን ተታሒዞም ዝጸንሑ፣ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 263 ስደተኛታት ሓራ ከምዘውጽኡ ኣፍሊጦም። እቶም ኣል ዋሓት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ቁሸት ኣጅኻራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ብዘካየድዎ ስርሒት፣ ብረቡዕ 29 ጥሪ፣ ሓራ ከምዝወጽኡ‘ዩ ተሓቢሩ። ገሊኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ስደተኛታት ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ እቶም ጨወይቲ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከምኡ‘ውን ዜጋታት ኢትዮጵያ 10 ሽሕ ዶላር፣ ንነፍሲ ወከፍ ሶማላዊ ድማ 17 ሽሕ ዶላር‘ዮም ክሓቱ ጸኒሖም። ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ብዝወረዶ ግፍዕታትን ዓጸቦን ሞይቱ‘ዩ ተረኺቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምጭዋይ ኢድ ኔርዎም...

Latest releases

Load more...