ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ዝተሰጐጉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዘለውዎ ኵነታት
ዓሰርተታት እስያውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ምዕሩግ ሆቴል ተዓጽዮም ብመስኮት ሓገዝ ካብ ዝልምኑ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ። ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ተሰጒጎም፡ ንጹር መውጽኢ መገዲ ስኢኖም ተዓጽዮም ጸኒሖም። ፈህ ዋይ ኣለግርያ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኔፓል፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያ፡ ካሜሩን፡ ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽኡ ደቂ-ተባዕትዮ፡...
Latest releases
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንዘመናዊት ኤርትራ ዝሃነጸ ኢጣልያዊ ጸሓፍን ፖለቲከኛን
ፈርዲናንዶ ማርቲኒ (1841-1928) ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ብሚያዝያ 1891 - ዕድመኡ 50 ኣብ ዝመልኣሉ - እዩ በጺሑ። ንኤርትራ መኸዲኡ ምኽንያት ከኣ ሓደ ጕዳይ ንምምርማር ነበረ፣ ብዛዕባ ጽጋብ ዜጋታት ጣልያን ኣብ ኤርትራ
ስለምንታይ መራኽብ ውግእ ሩስያ ናብ ኤርትራ ኣትየን?
ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከምዝኣተወት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።
ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ጸኒሑ
ብ ሰሜን ካሮላይና ድሕሪ ዘጋጠመ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሓደ ክሱስ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ሓቢሩ።
ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)
ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።