ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ኣመሪካ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ...
Latest releases
'ፈጣሪ ይመስገን'፡ ተላጊበን ዝተወልዳ ኤርትራውያን ማናቱ ብመጥባሕቲ ተፈላልየን
ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማንታ ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዝተገብረለን መጥባሕቲ ተፈላልየን። ነተን ኣስማን ሱመያን ዝተሰምያ ህጻናት ንምፍልላይ ልዕሊ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት መጥባሕ ከምዝተገብረለን ሰብመዚ ጥዕና ስዑዲ ኣፍሊጦም። እተን ህጻናት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባ'ውን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ። "እንቋዕ ሓጎሰና። ኣስማን ሱመያን ብዓይንና ርኢናየን ንምለስ ኣለና። ኣብ ክፍሊ ጽዕቕ ክንክን'ኳ እንተለዋ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢየን ዘለዋ። vital signs ትርግታ ልቢ፡ ኦክስጅን፡ ጸቕጢ...
ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት መግለጺ-መሪር ሐዘን
መርድእ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖ መግለጺ መሪር ሐዘን ወየ፣ኣቦ ማርታ ዮዲት ሳምሶን ጳውሎስ ነቒልካ ዶ፣ኣፋኑውኒ ካብበልካስ፣ብሰላም ዕረፍ ኣያየ፣ኣከለጉዛይ ሰገነይቲ ዝዓዱ ወዲ ማይ መጉዶም፣ሐደ ካብ ቶም ሰብ ቀደም ዓዲ ኩሉና ዝኸዱ፣ኣያይ ጸሃየ ወደቦይ ተኽለሃይማኖት፣ኣታ ሐዊ ኣበባ ነቒልካ ዶ፣ ኣብ ሚላኖ ዝኾነኒ ጽላል፣ኣየ...
ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር ህያብ" ክብሉ ንዝገለጽዎ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክዕቅብዎ...
ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተሓለቕቲ መሰላት፡...