ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሱሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ
ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ 3 ወርቂ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ፡ ኡጋንዳ ኸኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩር 1 ነሓስ ብድመር 5 መዳልያ። ኢትዮጵያ ኸኣ 3...
Latest releases
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::
ንታሪኽ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ኤውሮጳ
‘This is my moment’ ወይ ‘እዋነይ እዩ‘ ዘርእስታ ንታሪኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም፣ ኣብ ኣብያተ ሲኔማ ኤውሮጳ ንተዓዘብቲ ክፍትቲ ኮይና።