ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።
Latest releases
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::
ንታሪኽ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ኤውሮጳ
‘This is my moment’ ወይ ‘እዋነይ እዩ‘ ዘርእስታ ንታሪኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም፣ ኣብ ኣብያተ ሲኔማ ኤውሮጳ ንተዓዘብቲ ክፍትቲ ኮይና።