ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።
Latest releases
ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት?
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ስግኣታት ዘሕደረ ዲፕሎማስያዊን ወጥርታት ጸጥታዊ ምትፍናንን ሰፊኑ’ሎ።ዋላ’ኳ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝተፈላለዩ ጠንቅታትን ረቛሒታትን ክግለጽ ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣውራን መበገሲን ናይዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግን ጠለብ ኢትዮጵያ እዩ።