ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምርካብ ናይ ህልውና ስግኣት'ዩ ምባል 'ሓደገኛ ሃቐነ' ዘለዎ'ዩ - ኤርትራ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናን ከም ናይ 'ህልውና ስግኣት' ጌርካ ምውሳድ "ሓደገኛ ሃቐነ" ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብወገን ኣስመራ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ዝመስል ሓጺር መግለጺ፡ ርእይቶ ኣቢይ "ዝተጋነነ" እዩ ይብል። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ኣብ...