ኤርትራ ንሱዳን 'ዓቢ ደገፍ' ከምዝሃበት ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መብርሂ ከምዝበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። "መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ዝገበሮ ዓቢን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ" ከምዝነኣደ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር...
Latest releases
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::