ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...