ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም። እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ...
Latest releases
ጸኒሑ ዝተኣለየ ኣዘራራቢ ቃለ መሕትት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን
ትማሊ ሰሉስ 26 ሕዳር 2024 ወኪል ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ምስ ኤምባሲ ሜድያ ዘካየዶ ዘይልሙድ ቃለ መሕትት ኣብ ዩቲዩብ ቻነል ተፈንዩ ነይሩ። ኣብቲ ምስ 'ኤርትራ ኤምባሲ ሚዲያ' (Eritrea EmbassyMedia) ዝተባህለ ኣካል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዝዀነ ቻነል ዩቱብ ዝተገብረ ቃለ...
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝነብሩላ ካናዳ፡ ስለምንታይ ግዳም ሓደርነት በዚሑ?
ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኤርትራውያን - ኢትዮጵያውያን'ውን ከይተረፈ፡ ኣብተን ከም መሰጋገሪ ዝረግጹወን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም መብዛሕትኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር እዮም ዘቋምቱ። ካናዳ ሓንቲ ካብተን ዜጋታት እዘን ሃገራት ብብዝሒ ዝኸዱላን ዝቕመጡላን ሃገር እያ። ኣብዛ ሃገር፡ ቍጽሪ ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት ይውስኽ ምህላው ኸኣ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ከተማታት፡ ጕዳይ ገዛ ኣልቦ ወይ ግዳም ሓደር ንዝዀኑ ሰባት ክብድሃ እየን ዝፍትና ዘለዋ። ሓንቲ ከተማ ካናዳ ግን፡ ነቲ ሓደ በዓል ስልጣን “ጕዳይ ዓሰርተ ዓመት” ዝበሎ...
ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሓደ እዋን ዝበጽሑ መራሕቲ ሱዳን
ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርካብ ተዘራሪቡ። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ። ኣንጻር እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ደማዊ ኲናት ተጸሚዱ ዘሎ ጀነራል ኣልብርሃን ሎሚ ናይ ሓደ ዓልቲ...
ሱዳን፡ ከም ምሩኻት ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣበይ ኣተዉ?
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ቢቢሲ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ግዳያት፡ ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተታሕዙ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ከም ዝዀኑ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር። እዞም፡ ድሕሪ ሽዑ ህጣሞም ጠፊኡ ዝጸንሐ መንእሰያት፡ ኣብታ ከም መሰጋገሪ ንካልእ ስደት ክትኰኖም ዝመረጹዋ ብዂናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዘይሓሰብዎ...