ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ...
Latest releases
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ዓሰብ-ቡረ ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን፣ ካብቲ ትማሊ 03 ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ብመንገዲ ዓሰብ – ቡሬ ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።ዛጊት ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ ኣብዘን ክልተ መዓልታት፣ ናብ ኤርትራ ተሰጕጎም ኣለዉ።ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተዳጕኖም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።...
‘መቐመጫይ ተንኪፉኒ’ ብምባል፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ዝቐተለት ኣመሪካዊት ኣብ ጀርመን፣ ‘ርእሰይ ንምክልኻል’የ ኢላ
ጓል 20 ዓመት ኣመሪካዊት መንእሰይ ነበሪት ጀርመን፣ ከተማ ካይዘርስላውተርን፣ ኣብ መዓርፎ ባቡር፣ መቐመጫይ ተንኪፉኒ ብዝብል ክሲ፣ ንወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ብምቕታላ፣ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረበት ጋዜጣ ቢልድ፣ ኣብ ናይ 03 ታሕሳስ ሕታማ ኣስፊራ።እታ መንእሰይ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024፣ ነቶም ኤርትራዊ ኣቦ፣ ‘መቐመጫይ ተንኪፎሙኒ‘ ብምባል፣ ኣብ ሳንጣኣ ዝነበረ ተዓጻፊ ካራ...
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኤርትራዊትን ኢትዮጵያዊትን ዝርከባሉ ዝርዝር ቢቢሲ ብሉጻት ደቂኣንስትዮ 2024
ቢቢሲ ን2024 ካብ መላእ ዓለም ዝተሓረያ 100 ኣነቓቓሕትን ጸለውትን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘ ዝርዝሩ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ካብ መንጎአን ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ናድያ ሙራድ፡ ግዳይ ዓመጽ ጎስጓሲትን ጂዘል ፔሊኮት፡ ተዋሳኢት ሻሮን ስቶን፡ ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ሬቤካ ኣንድራድን ኣሊሰን ፌሊክስን፡ ደራፊት ራየ፡ ስእላዊ ስነጥበባዊት ትሬሲ ኤሚን፡ ተቓላሲት ክሊማ ኣደኒከ ኦላዶሱን ጸሓፊት ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛን ይርከብአን።
‘ኣብ ግጭት እትርከብ ሱዳን፣ ልዕሊ 146 ሽሕ ኤርትራውያን ኣዕቝባላ’ ሕቡራት ሃገራት
ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ብኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት እትሕመስ ዘላ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 146 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቝባ ከምዘላ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ፣ ኣብ ሱዳን፣ ብጠቕላላ 874,493...