ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ -...
Latest releases
ኤርትራ - ሰለስተ መንእሰያት ሓድሽ ኣገባብ መረዳድኢ ‘ቋንቋ ምድህሳስ” ኣማዕቢሎም
ኣስመራ —ተመስገን እያሱ፡ ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስን ሮዳስ ተኽለን ዝተባህሉ፡ ኣብ ሳዋ ከም ኣማኸርቲ መምህራን ኮይኖም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ናይ ስነ-ልቦና ምሁራት፡ ብተበግሶኦም ዘማዕበልዎ ‘ቋንቋ -ምድህሳስ’፡ ረቡዕ 28 ስነ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ንህዝቢ ኣላልዮም።
ህይወትናን ንብረትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ክብሉ ኤርትራውያ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ገሊጾም
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።
መጸዋዕታ መጽዩኒ'ሎ" ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓሊ ሱሌማን
ዋሽንግተን —ኤርትራዊ ተጻዋታይ ጋንታ ከነማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓሊ ሱሌማን ምስ GAIS ዝተባህለት ጋንታ ሽወደን ንኽጻወት ኣብ ውሽጣዊ ስምምዕ(ምርድዳእ) ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ብተወሳኺ "ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን እውን መጸዋዕታ መጺኡኒ ኣሎ። ነዚ ናይ ሽወደን ዕድመ ግን ኣቐዲመዮ ኣለኹ።" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።
ቱር ዲፍራንስ 2024፡ ቢንያም ግርማይ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ዲፍራንስ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻእ ንውልቑ፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ናይ መጀመርታ ናይ መደረኽ ዓወት ኣብ ቱር ዲፍራንስ ኣመዝጊቡ።