'ኤርትራ ዘለዉ ዘኽታማትን ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ቈልዑን' ዘተኰረት ተወዳዳሪት ሚስ ፕላነት
ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝጀመረ ውድድር ቍንጅና ሚስ ፕላነት፡ ሓደ ካብቶም ዓቢ ተቐባልነትን ጽልዋን ረኺቦም ዘለዉ ዓለማዊ ውድድራት እዩ። ኣብ ሕበረተሰበን ጸለውትን ኣፍረይትን ዝዀና ወይዘራዝር ብምትብባዕ ድማ፡ ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ውሕስነት ዕቃበ ፕላነትን ህይወት ደቅሰብን ይጕስጕስ። ነዚ ተገንዚባ ድማ ዝበጽሖን ዘተግብሮን ራእይ ኣለኒ ብምባል ናብቲ ውድድር ዝኣተወት ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ኤልዳና ሴም እያ። ኣብዚ ሎም...
Latest releases
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ
እቶም ካብ ኤርትራ ብክልላት ዓፈርን ትግራይን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዓለምለኻዊ ዕቝባን መሰረታዊ ድሌታትን ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ግቡእ ውሕስነት ክወሃቦም፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንኤችሲኣር ጸዊዑ።እቲ ኮሚሽን ሎሚ ረቡዕ 20 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ንኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ጸብጻብ ኮምሽን ስደተኛታት፡ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 20ሽሕ፡ ሓደስቲ ናብ ኢትዮጵያ...
ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕመጥሉ ሆቴል ኣልዒልዎ ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?
ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምምሕዳር ማንቸስተር ዓቢይ ዝርከብ፡ ኣብ ቀረባ ኣስታት 300 ሓተትቲ ዕቝባ ክነብርሉ ዝጀመሩ ሆቴል ዝቕመጡ ሰባት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም።ኣብዚ ክሬስታ ኮርት ዝተባህለ ሆቴል ዝነብሩ ዘለው ሓተትቲ ዕቝባ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ይእመን። ኣብ ግሬተር ማንቸስተር ቤት ምኽሪ ከባቢ ትራፎርድ ንጕጅለ ተቓዋሚ ዓቃባውያን ዝመርሕ ናታን ኢቫንስ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ድሕነት" ከም ዘሎን፡ እቲ ብሰልፊ...
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተኣስሩ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከፊሉ
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቱን ብስም ምንቅስቓስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብተደጋጋሚ ዝተወልዐ ናዕቢን ጎነጽን ንዝተኣስሩ ሓያሎ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ፣ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ፣ ዋይ ኔት ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ መርበብ፣ ቅብሊት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኤምባሲኡ ንዋሕስ ዝኸፈሎ 84 ሽሕ ሽክል...
ኤርትራ ዘውዲ ወይዘሪት ዩኒቨርስ - 73 ንምድፋእ ብስኒት ትደምቕ
ኤርትራ ፡ ንፈለማ እዋን ዘውዲ “ሚስ ዩኒቨርስ ንኽትደፍእ ብመንገዲ ዕውቲ ወይዘሪት "ሚስ ዩኒቨርስ ኤርትራ" ስኒት ሃብተኣብ ትወዳደር ኣላ። ወይዘሪት ዩኒቨርስ ብ1952 ዝጀመረ ዝለዓለ መድረኽ ውድድር ቁንጅና ዓለም እዩ። ኣብዚ ልዑል ዝናን ክብርን ዘለዎ ውድድር፡ ዓመታዊ ብውሑዱ ልዕሊ 100 ነንሃገረን ዝውክላ ወይዘራዝር ናብዚ ጥርዚ መድረኽ ቍንጅና ዓለም ይውሕዛ። ኣብዚ ወርሕዚ ድማ መክሲኮ ነቲ ብቘናጁ ወይዘራዝሮም ዝተወከሉ ኣህዛብ፡ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ውድድር ተአንግድ...