ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ንኤርትራዊት ዋዕሮ ክዝክራ ዋጋ ዝኸፈለት ንመሰላ ንክብራ ብፋሽሽታዊ ኢሰያሳዊ ጭፍራ ብጉጅለ ህግደፍ ተመንዚዑ ክብራ’’
ብንሕና ንሱ ብውሽጢ ብደገ ብህግደፋዊያን ሐመድ ከ ዕደ ወሊዳ መኺና ኤርትራዊት ኣደ ናብ ውግእ ተፈሪዱ ዘዝተወለደ’’
ፈላሚ ተሳታፍነት ደቂንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ
ውድድራት ኦሎምፒክ ንሳልሳይ እዋኑ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣጋጣሚ ኤርትራዊት ኣትሌት መቅደስ ወልዱ እትርከበን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብዛ ከተማ ንፈለማ እዋን ክሳተፋ እየን።
ኤርትራ፡ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ዝተፈላለዩ ትካላት ይበጽሕ
ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ንግዲን ሃገራዊ ፍርያትን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ዑደት የካይድ ኣሎ። ኣዶልፎ ኡርሶ ዝመርሖ ጉጅለ ሎሚ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ንዝርከብ ፋብሪካታት ፕሮጀክትታትን ተዓዚቡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ከምዝሓበሮ፡ ናብ ፋብሪካ ዓለባ ዛየርን ኣብ ከባቢ እታ...
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ እያ
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ በዓልስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።