ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...
Latest releases
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል
ኣስመራ —ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ሎሚ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ
ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።ንሱ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ 12 መድረኻት ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ ንጋንታኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ታሪኽ ኣግዚሙ።
ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ብዙሓት ቈሲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብቐዳም ምሸት ከምኡ’ውን ሰኑይ ምሸት ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ብሓፈሻ ልዕሊ 10 ሰባት ከም ዝተሃርሙ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።