ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ...
Latest releases
እስራኤል፡ 'ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ባእሲን ዕግርግርን ኤርትራውያን ኣይሓደሰናን' - ፖሊስ ተልኣቪቭ
ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር በን ግቪር ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክጥረዙ ከምዝጸውዐ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።