ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሓደ...
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።