ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንትን ሓላፊት ድሕነት ኣውፈርትን እታ ሃገር ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተራኺቦም ተዘራሪቦም። 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት' ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኮሎኔል ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ዕድላት ወፍሪን እታ ሃገር ዘለዋ ድሉውነትን ብሰፊሕ ኣብሪሃትሎም። ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ...
Latest releases
ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት
እዛ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢጣልያዊት፡ ብዛዕባ ምስ ዘመን ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ዘበርከተት ህብብቲ ደራሲት'ያ። ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን'ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ - ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ - ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ። እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም ቀዳሞት 20 ዓመታት ህይወታ ኣብ ኣስመራ'ያ...
ኤርትራ ጠኒሳ ኣላ እሞ ውላዳ የርእየና
ዓወት ንሐፋሽ እንዳ ጨርሔ ኣብ ዓወት ንሐፋሽ ተሐቢኡ ን34 ዓመታት ብኣፈሙዝ ዝመርሔ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኣረሜን ጉጅለ፣ ድሕሪ ስዕረት ደርጊ ንዉሱናት ዓመታት ብኸብድ ዋጋ ደምና ደስደስ ንሃገራዊ ንነጻነት መንግስቱ ብኢሰያስ ተተኪኡ ን34 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ባርነት፣ ውሕጅ እንዳ ሰሐቅካ ዩ...
እስራኤል፡ ብቕትለት ሓደ ሽማግለ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተኣሲሩ
ብሰሉስ 27 ግንቦት ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ሃቲክሻ ኣብ ዝተባህለ ገዛውቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ 71 ዓመት ሽማግለ ሰብኣይ ብዝተፈጸመ ዝምታ ተለፎንን ቅትለትን ዝተጠርጠረ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ፡ ዮሩሳሌም ፖስት ንፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢራ። ሊስ፡ እቲ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ ከም ዝተወቕዐን ድሒሩ ብኣባላት ሕክምና ሞይቱ ከም ዝተባህለን ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ጥርጣረታት፡ እቲ ሰብ ሞባይል ናይቲ ሽማግለ ሰብኣይ ክሰርቕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ብእምኒ...
ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከም ዘንሰሓበን ዶባት ከም ዝተኸፈተን ኣብ ማሕበራዊ...