Stop the Next Ethiopia-Eritrea War Before It Begins
When the Ethiopian government and the Tigrayan opposition signed a cessation of hostilities agreement in late 2022, the deal ended one of the most lethal wars of the 21st century. The conflict...
Latest releases
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ደገፍቱ ክሕሎ ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዱ
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም፡ ኣብ ከተማ በርን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ስዊዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምትእኽኻብን መሰልና ክሕለወልና‘ ክብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
ሃገርና ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን ኸሲራ!!
ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ሃገርና ዑስማን ዓብደልረሒም ብዕለት 07 መስከረም 2024 ዓም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ብሕማም ዓሪፉ። ዑስማን በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉዳትን እዩ።
ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።