ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ብፊልም ‘ቬርሶ’ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ሰራሕታን ምስጢራን እንታይ እዩ?
እዛ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ዓመታት ተሰሪሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብመገዲ ቻነል ዩቱብ፡ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ዝተዘርግሐት ፊልም ‘ቬርሶ’፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዓሚቝ ክትዕ ፈጢራ ቀንያ ኣላ። እዛ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ኵነኔ ዝወረዳ ፊልም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቲ ኵሎም እቶም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ሞያውያን ኣስዒቡ...
ኬንያ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት ኣጠንቂቓ
ኣብ ኬንያ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም፣ ግና ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት፣ ፓስፖርቶም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከረክቡ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት እት ሃገር ጸዊዑ።
ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም፣ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየስረረንን
(ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም፣ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየስረረንን)ኣብ ስደት ናይ ኤርትራ ፕረስደንት መሳጋገሪ ግዝያዊ መንግስቲ፣ኣይበዝሔን ዶ ሐሸውየ እንዳደጋገምካ ትምክሕቲ። ክሳብ ማዓስ መስሐቕ ጎዶቦ፣ጀጋኑና ተወዲኦም ዶ ዓደቦ፣ንደመኛ ህዝብና ካብ ዓንተቦ-ሸሎው ከይነብሎ ዘይነብሎ ካብቲ ጎቦ፣ኩሉ ናይ መልሐስ ጅግና ስለ...
ኤርትራ፡ ‘ምዝዛም ቀዳማይ ገጽ ምምሕያሽ ጸዓት' እንታይ ዘጠቓለለ'ዩ?
ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ኣመና ተዳኺሙ ዝጸንሐ ቀረብ ጸዓት ንምምሕያሽ ብመንግስቲ ኣብ 2021 ዝተጀመረ ምዃኑ ዝተገልጸ ፕሮጀክት፡ ቀዳማይ ገጹ ከምዝተዛዘመን ስራሕ ከም ዝጀመረን፡ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሑ'ሎ።