ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም...
Latest releases
ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ
ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ናይ መጻርዪ ዋንጫ ቻምፕዮንሺፕ ኣፍሪቃ ግጥመን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዘካይድኦ ተፈሊጡ።እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝነበሮ ክልተ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከተማ ጁባ ክውዳእ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፉ ተጻወቲ መነመን ምዃኖም ኣለልዩ ኣሎ። እቲ ጸወታ ስለምንታይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ከም ዝተወሰነ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ምቅይያር ኪዳናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን
ኣብ መፋርቕ 2018፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ “ኵነተ ኲናት”፡ ብኣኽብሮ ኣህጉራዊ ብይን ውሳነ ዶባት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዕርቀ ሰላም ተወዲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ጩራ ሰላም ተዀሊዑ። እቲ ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት “ደጊም ይኣኽለና!” ክብል ነቲ ብስራት ብድሙቕ ዕልልታን ልባዊ ሓጐስን ተቐቢልዎ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ስለምንታይ እዮም ኵነታት ጥዕናኦም ዝሓብኡ?
ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ካብ 1982 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ይርከብ።ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጥዕናዊ ኵነታት ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያን ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራን ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ኵነታትን ሃለዋትን ናይቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ዝበሓተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣዛራቢ ኰይኑ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ - እዋን ረፈረንደም፡ ሓሚሙ ተባሂሉ ንእስራኤል ንሕክምና ምኻዱ ዝተገልጸሉ ኣጋጣሚ፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ሕማሙን ሕክምናኡን ብወግዒ ዝስማዕ ነገር የለን። ...
ኤርትራ፣ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብኦም ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሶማል ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቶም ልዕሊ 300 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ብመርከብ ተበጊሶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ሶማል ከምዝኣተዉ‘ዩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ወርትሃደራት...