ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት...
Latest releases
ዘገርም ዛንታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ
ዘመኑ፡ ዘመን ቍርቍስ ደብረ-ቢዘንን ጸዓዘጋን ነበረ ክበሃል ይከኣል። ደብረ-ቢዘን ማእከል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብምንባሩ ንህዝቢ ክርስትያን ከበሳ ብምውካል፡ ነቲ ምስዮናውያን ዘርኣይዎ ዉቕዮ (achievement) ብምምካት ተቓውሞኡ ዘልዓልሉ ዘመን ነበረ። ኣብቲ ቍርቍስ'ቲ ድማ ጣልያን፡ ከም ሓደስቲ ገዛእቲ መጠን፡ ኢድ ነበሮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ብጎቦ-ጎቦ ኣብቲ ጉዳይ ተጸንበሩ - ጓልና ወሲድኩም ተባሂሎም ስለ ዝተኸሰሱ ኣብ ነገር ኣተዉ። ኣብ ኤርትራስ ዘይተነግረ'ምበር ዘይተገብረስ...
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምርካብ ናይ ህልውና ስግኣት'ዩ ምባል 'ሓደገኛ ሃቐነ' ዘለዎ'ዩ - ኤርትራ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናን ከም ናይ 'ህልውና ስግኣት' ጌርካ ምውሳድ "ሓደገኛ ሃቐነ" ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብወገን ኣስመራ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ዝመስል ሓጺር መግለጺ፡ ርእይቶ ኣቢይ "ዝተጋነነ" እዩ ይብል። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ህላወ ሓደጋ...
ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ተመያይጠን
ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸረይጂ ዝምራሕ ላዕለኣይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ብረቡዕ 19 መጋቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ጊዶዎን ጢሜቴዎስን ብምርኻብ ዘትዩ። ዕላማ እቲ ዑደት፣ ኣብ ክልታውን ዞባዊን ጉዳያት...
ኣቢይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ፡ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ንፓርላማ ዝሃቦ መግለጺ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ፣ ኤርትራን ኣፍደ ባሕርን ኣመልኪቱ ሎሚ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ። ኣቢይ ኣሕመድ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፈጻጽማ መደባቱ ተገምጊሙ፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት፡ ገደብ ግዜኡ ከምዝናዋሕ ኣፍሊጡ። እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምምሕያሻት ሕጊ ከም ዘድልዮንን ኣብ መሪሕነት መጠናዊ ለውጢ ከምዝግበረሉን ኣንፊቱ። ንሱ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ...