How Nigeria, Eritrea, Ethiopia are becoming key FDI sources for Rwanda
African countries Nigeria, Eritrea, and Ethiopia stood out among the top ten sources of Foreign Direct Investments (FDIs) in Rwanda in 2024, contributing over $464 million in FDIs. Nigeria in...
Latest releases
ሓድሽ ዜና፡ ቀጠልያ ማልያ ዝዓቀበ ቢንያም ግርማይ ናብ 2ይ ደዪቡ፡ ፍሊፕሰን ተቐጺዑ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃይኮ ኣልኡላ ዳይላን ግሮንወገን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ጃስፐር ፈሊፕሰን ካልኣይ ቢንያም ግርማይ ከኣ ሳልሳይ ወጺኦም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሒሩ ብዝተገበረ ምጽራይ ጃስፐር ፈሊፕሰን ኣብ እዋን ቅጽበታዊ ውድድር ዘይንቡር ኣካይዳ ከይዱ ተባሂሉ ብኣዳለውቲ እቲ ውድድር ስለዝተቐጸዐ ቢንያም ናብ ካልኣይ ደረጃ ደዪቡ።
ኤርትራ - ሰለስተ መንእሰያት ሓድሽ ኣገባብ መረዳድኢ ‘ቋንቋ ምድህሳስ” ኣማዕቢሎም
ኣስመራ —ተመስገን እያሱ፡ ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስን ሮዳስ ተኽለን ዝተባህሉ፡ ኣብ ሳዋ ከም ኣማኸርቲ መምህራን ኮይኖም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ናይ ስነ-ልቦና ምሁራት፡ ብተበግሶኦም ዘማዕበልዎ ‘ቋንቋ -ምድህሳስ’፡ ረቡዕ 28 ስነ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ንህዝቢ ኣላልዮም።
ህይወትናን ንብረትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ክብሉ ኤርትራውያ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ገሊጾም
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።
መጸዋዕታ መጽዩኒ'ሎ" ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓሊ ሱሌማን
ዋሽንግተን —ኤርትራዊ ተጻዋታይ ጋንታ ከነማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓሊ ሱሌማን ምስ GAIS ዝተባህለት ጋንታ ሽወደን ንኽጻወት ኣብ ውሽጣዊ ስምምዕ(ምርድዳእ) ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ብተወሳኺ "ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን እውን መጸዋዕታ መጺኡኒ ኣሎ። ነዚ ናይ ሽወደን ዕድመ ግን ኣቐዲመዮ ኣለኹ።" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።