Italy government furious as court orders compensation for sea migrant
ROME (Reuters) -An Eritrean who was among a group of sea migrants held on an Italian coast guard vessel for 10 days in 2018 is entitled to compensation, Italy's top appeals court has ruled,...
Latest releases
ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንዕድል ኤርትራ ዝቐየረ ኣካል
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ 1941 መቐይሮታት ዘተኣታተወት ዓመት ነበረት። እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዝኣተወሉ፡ መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ዜጋታት ብሃገራውነት ተደሪኾም ንባህግታት ናጽነት ክዅስኵስሉ ዝጀምርሉ ዓመት ነበረት። ሽዑ'ዩ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ብ5 ግንቦት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ዝነበሮም ባህጊ ተግባራዊ ንምግባር ጻዕሮም ዝጀመሩላ ዓመት ነበረት። ብሓጺሩ፡ ምንቅስቓሳት ንናጽነት ወይ ከኣ ቍርቍስ ኤርትራ ብ1941'ምበር ከምቲ ብተደጋጊሙ ዝዝንቶ ብግዜ...
ብሪጣንያ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ዝተቐትለ ኣሜን ተኽላይ
ሓደ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ መንእሰይ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ ሓቢሮም። ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብረቡዕ ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቆሲሉ ተረኺቡ። ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከምዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ...
እስራኤል ኤርትራውያን ንምስጓግ ቀዳማይ እማመ ኣጽዲቓ፣ ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?
ፓርላማ እስራኤል፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዓዶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኰይኖም እንተ ተረኺቦም፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዘኽእል ዝቐረበ ቀዳማይ እማመ ሰሚዑ ኣጽዲቑ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ዘኽእል ንዝቐረበሉ እማመ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።
ደቡብ-ሱዳን፡ ስግኣት ኲናት ኣሎ - ርእይቶ ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ
ኣብ ደቡብ-ሱዳን ከተማ ጁባ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ብምእሳሮም ወጥሪ ከም ዝነገሰን እቲ ውዕል ሰላም ፈሪሱ ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ከም ዝፈጠረን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ መንበሪ-ቤት ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ንሓደ ለይቲ ብሰራዊት ሱዳን ተኸቢቡ ከም ዝሓደረ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ኣባላት ናይቲ ብምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ እዮም። እዛ ሓዳስ ሃገር፡ ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ ካልኣይ ዓመታ እያ ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ...